ተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ስትሞን ዓሊግድርን ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ንጽህና ከባቢኦም ብምሕላው ጥዕናኦም ንምውሓስ ዘኽእሎም ስጕምቲ ወሲዶም።

እቶም ነበርቲ፡ ጽሬት ከባቢኦም ንምርግጋጽ ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ንምድንፋዕ፡ ውሽጣዊ ሕጊ ከም ዘቖሙ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና መንእሰይ ዓወት መብራህቱ፡ ብቐጻሊ ዝወሃብ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት፡ ነበርቲ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ ናይ ባህሪ ለውጢ ከምጽኡ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ተርእዮ ናይ’ቶም ብጕድለት ጽሬት ዝመሓለለፉ ሕማማት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ኣብሪሁ።

ኣመሓደርቲ ናይ’ተን ምምሕዳራት ከባቢ፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፡ ናይ’ቲ እናበረኸ ዝመጽአ ንቕሓት ምዃኑ ብምሕባር፡ ንተግባራውነት መደባት ከባቢያዊ ጥዕና ብዘርኣይዎ ምትሕብባር ንነበርቲ ኣመስጊኖም።

Categories