ኣብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ደርቡሸትን ጀምሂለን ዝርከባ ትካላት ጥዕና፡ ተጠቀምቲ ጸሓያዊ ጸዓት ከም ዝኾና፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ክኢላ ቴክኖሎጂ ጸሓያዊ ጸዓት ኣቶ ወልዱ ሓይልኣብ ሓቢሩ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣቶ ወልዱ፡ እቲ መደብ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዝተማልአ ኣገልግሎታት ንኽህባ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት’ተን ትካላትን ተገልገልትን መስተርሆት ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መደበር ጥዕና ፈልከት ሓድሽ ምንጪ ጸሓያዊ ጸዓት ከምዝተዋደደ፡ ኣብ ህንጻ ማእከል ጥዕና ባዳ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ጽገና ምስ ተዛዘመ’ውን ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ንምትካል መደብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ምስ ተተኸለ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ባትሪ ክርአ ዝኽእል ድኻም፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣገልግሎት ክህብ ከምዝኽእል ዝሓበረ ኣቶ ወልዱ፡ ናይ ጽገና ክኢላታት ሰልጢኖም ከም ዘለዉን ነቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ምክትታል ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎምን ኣረዲኡ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ትካላት ጥዕና፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ተጠቀምቲ ጸሓያዊ ጸዓት ኮይነን ምህላወን፡ ሰነዳት ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክቱ።

Categories