ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጻጽር፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኰለላን ምውሳድ ስጒምቲን ዘጠቓልል ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ምክልኻል ብቚሊ ኣቶ ክፍሎም ኣድሓኖም ገሊጹ።

እቲ ዘራእቲ ዘብርስ ሓደገኛ ሓሰኻ፡ ዛጊት ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሻምብቆ፡ ሞልቊ፡ ላዕላይ ጋሽ፡ ባረንቱን ድገን ብውሱን መጠን ከም እተራእየ ዝሓበረ ኣቶ ክፍሎም፡ ክኢላታት ሕርሻ ምስ ምምሕዳራት ተወሃሂዶም ኣፍልጦ ሓረስቶትት ኣብ ምዕባይን ነቲ ዝተጠቕዐ ኣዝርእቲ ምሒኻ ኣብ ምቅጻልን ዘድሃበ ጽዑቕ ንጥፈታት የሰላስሉ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ዛጊት ኣብ 14 ንኡሳን ዞባታት ኣብ ምዕባይ ኣፍልጦን ሜላታት ምክልኻልን ናይ’ቲ ሓሰኻ ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ከም እተዋህበ፡ እቲ ባልዕ ኣብ ዝተራእየሉ ከባቢታት ድማ ብሓፈሻ ኣብ 132 ሄክታር ለሚዑ ዝነበረ ዘራእቲ ብወፈራ ተማሕዩ ከምእተቓጸለ ተፈሊጡ።

ብዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣፍልጦ ሓረስቶት ክብ ኢሉ’ኳ እንተሎ፡ እቲ ብፍላይ ኣብ ዕፉን ዝርአ ዘሎ ሓሰኻ፡ ተሓቢኡ ጸኒሑ ምስ ምጅማር ክራማት ሓደገኛ ሳዕቤን ከየኸትል ምእንቲ፡ ውሁድን ተመላላእን ጻዕሪ ክካየድ፡ ነፍሲ- ወከፍ ሓረስታይ ብስሩዕ ዘራእቱ ክከታተል፡ ይውሓድ ይብዛሕ ዕፉን ዝዘርአ ድማ፡ ባልዕ ይርአ ኣይርአ ብዘየገድስ፡ ዘራእቱ ክዓጽድን ከቃጽልን’ዩ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝጽውዕ ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ምምሕዳራት፡ ኣብያተ-ጽሕፈት ህግደፍ፡ ሚኒስትሪታት፡ ማሕበራትን ካልኦት ኣካላትን ህዝብን፡ እዚ ሓደገኛ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ካብ ሃገርና ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝጠፍእ፡ ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ጠሚቶም ኣብ ምጥፍኡ ብውህደት ክሰርሑን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙን ተማሕጺኑ።

Categories