ኣብ ንኡስ ዞባታት ማይ-ምነን ሰገነይቲን፡ ተርእዮ ባልዕ ዘራእቲ ንምቊጽጻር ዝዓለመ ኣስተምህሮታት ይወሃብን ኰለላታት ይካየድን ኣሎ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ምልክታት ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ዝተራእየሉ ኣእካል ብወፈራ ተኣኪቡ ከምዝተቓጸለ፡ ወኪል ኤሪና ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ኣካላት መንግስትን ህዝብን፡ ብክኢላታት ሚኒስትሪ ሕርሻ ተማእዚኖም ተርእዮ ናይ’ቲ ባልዕ ብኣግኡ ንምቊጽጻር ይስርሑ ከምዘለዉ ዝሓበረ ሓላፊ ቤት- ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ገብረሂወት ብርሃነ፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ሰፊሕ ንጥፈታት ጀራዲን ዝካየደሉ ጎላጉል ዑበልን ሩባ ቀጢናን ዝተወሃሃደ ስጕምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ንውሁድ ምክትታልን ምክልኻልን ባልዕ ብሓፈሻ፡ ንሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ኣስተምህሮ፡ ንወከልቲ ምምሕዳራት ከባቢ ተዋሂቡ።

Categories