ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት ብሓፈሻ፡ ሕሩም ሕዛእቲ ንምህብታም ድማ ብፍላይ፡ ውህደት ህዝቢን ኣካላት ሓለዋን ክሕይል፡ ኣማሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ ጸዊዑ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ምስ ዝነጥፉ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣቶ ዑመር፡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ ብኮም ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ምስራሕን ምጽጋንን ዛላታትን ከትሪታትን፡ ኣብ ምርጋእ ኣከባቢ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ውህደት ዓቕሚታት ንውጽኢታውነት ስራሕ መሰረታዊ ብምዃኑ ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ከበሳ ዝወርድ ወሓይዝ ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ዓግማትን ጀሪፋትን ብማሽነሪ ንምጽጋን መደብ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምርድዳእ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ንመጋሃጫ ጥሪት ዝኸውን ቦታ ክፍቀድ ተላብዮም።

Categories