ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ ዝነበሮ ሕጽረታት ናውቲ ሕክምናን ክኢላታትን ተማሊኡሉ – ዝምስገን ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ፡ ሜዲካል ዳይሬክተር ናይቲ ሆስፒታል ዶክተር ንጉሰ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል ሕጽረታት ስለዝነበሮ፡ ተገልገልቲ ናብ ሆስፒታላት ሓሊበትን ኦሮታን ክኸዱ ይግደዱ ምንባሮም፡ እዚ ድማ ኣብ’ተን ሆስፒታላት ጻዕቂ ስራሕ ክፈጥር ምጽንሑ ዝጠቐሰ ዶክተር ንጉሰ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘበናዊ መሳርሒታት ላቦራቶሪ፡ ነጸርታ ሕማም ቲቢ፡ ኡልትራ-ሳውንድን ኤክስ-ረይን፡ ከምኡ’ውን ብቑዓት ሰብ-ሞያ ስለ ዝተመደብሉ እቲ ጸገም ከምእተፈትሐ ኣረዲኡ።

እቲ ሓደስቲ መሳርሒታት፡ ንሕማማት ልቢ፡ ኩሊት፡ ጸላም ከብድን ሳንቡእን፡ ከምኡ’ውን ብመርመራ ደም ክፍለጥ ዝኽእል ሕማማት ዘነጽር ብምዃኑ፡ ተገልገልቲ ብቐረባ ጠለባቶም ክማልኣሎም ክኢሉ ከምዘሎ ድማ ገሊጹ።

ኣብ ምክትታል ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ዝነጥፍ መንእሰይ ሳሚኤል የማነ፡ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዕለታዊ ንዝመላለሱ ሕሙማት ሽኮርን ጸቕጢ ደምን፡ ሞያዊ ምኽሪን መድሃኒትን ከምዝወሃብ፡ ምስ ሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ ብምርድዳእ እውን፡ ጥዕና ኣዒንቶም ብናጻ ክምርመሩ ከም እተፈቕደሎም ሓቢሩ።

ብ113 ሰብ-ሞያን ናይ ምምሕዳር ሰራሕተኛታትን ዕለታዊ ንጥፈታቱ ዘሰላስል ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ 24 ሰዓታት ውሑስ ቀረብ ማይን ኤለክትሪክን ከምዝረክብ ተፈሊጡ።

Categories