ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብምትሕብባር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደምን ሃገራዊ ባንክ ደምን ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት፡ ደረጃ ንቕሓት ዜጋታት ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ ወለንታዊ ልግሲ ደም ድማ ብፍላይ ኣብ ምብራኽ፡ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ደም ሓላፊ ኣገልግሎት ልግሲ ደም ኣቶ መሓሪ ኣብርሃም ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ ካብ 26 ክሳብ 30 መጋቢት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ መንደፈራን ዓዲ-ዃላን ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ብድምር ልዕሊ 506 ‘ዩኒት’ ደም ምእካቡ፡ መርኣያ ናይ’ቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ንቕሓት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ ብወገኑ፡ ማሕበር – ልግሲ ደም ከም ባህሊ ብምምዕባል ጠለብ ደም መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ንምምላስ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ዓዲ-ዃላን ድባርዋን ተመስሪቱ ዘሎ ጨናፍር፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝምስገን ተራ ይጻወት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ጨንፈር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ከምዝቘመን፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ – ብዛዕባ ደምን ኣገዳስነቱን መብርሂ ከምእተዋህበን ተፈሊጡ።

Categories