ወከልቲ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ካብ 12 ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 62 ኣኼባ ኮሚሽን ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ብምስታፍ፡ ንኩነታትን ምዕባለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝምልከት መብርሂ ኣቕሪበን።

ኣብ’ቲ፡ “ብድሆታትን ዕድላትን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ምሕያል ኣብ ገጠር ንዝርከባ ኣዴታትን ኣሓትን” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊት ምምሕዳርን ፋይናንስን ሃማደኤ ወ/ሮ ዛይድ መስፍን፡ ንድሕረ- ባይታ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮን ኣበርክቶአን ኣብ ቊጠባ ሃገርን ዝምልከት መግለጺ ሂባ።

ኣብ’ቲ፡ ወከልቲ ናይ ልዕሊ 163 ሃገራት ዝተሳትፍኦ ኣኼባ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያልን ማዕርነተን ንምርግጋጽን ዝዓለመ – ብቐንዱ ንደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዘገድሱ ዛዕባታት ተዘትዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ 1995 ኣብ ዝተኻየደ 4ይ ዋዕላ በጂን ብምስታፍ፡ ኣብ’ቲ ንጾታዊ ምዕሩይነት ዝምልከት ውዕል ዝፈረመት ኮይና፡ ንምዕባለታት ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ መዳያት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ቊጠባ፡ ምውጋድ ድሑር ልምድታትን ካልእን ዝምልከት ጸብጻባት፡ ብቐጻሊ ከተቕርብ ጸኒሓ ኣላ።

Categories