ኣብ ባጽዕ፡ ንተመሃሮ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ወደብ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ብ21ን 29ን መጋቢት ተዋሂቡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ሓላፊ ምክልኻል ገበንን ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ፡ ኣብነታዊ ኣካይዳን ዘይናትካ ዘይምድላይን ዘጠቓልሉ ድሙቓት ክብርታት ሕብረተ-ሰብና፡ ቀንዲ ረቛሒታት ምክልኻል ገበን ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ነዚ ስነ-ምግባር’ዚ ናብ ሓደስቲ ወለዶ ንምስራጽ፡ በብእዋኑ ኣስተምህሮታት ምውዳብ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ብደረጃ ዞባ ዝተመዝገቡ ገበናትን ሓደጋታት ትራፊክን – ምስናይ ሳዕቤናቶም ብዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ እቶም ሓለፍቲ ፖሊስ፡ ነዚ ንምግታእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ተራ መላእ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ስድራ-ቤታት ድማ ብፍላይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሌተና ኮሎኔል ጅምዕ መሓመድ-ስዒድ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ኣብ ምክልኻል በደላትን ገበናትን ልዑል ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡ ንቐጻልነት ውሑስ ጸጥታ ከባቢኡ፡ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ምትሕብባሩ ምስ ፖሊስ ከሐይል ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ሓደስቲ መምርሒታትን ሕጋጋትን ኣብ ዝወጹሉ ብማዕከናት ዜና ብቕልጡፍ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ፡ ምልክታት ትራፊክ ክሕደሱ፡ ጽርግያ ኣስመራ- ባጽዕ ናይ ትራፊክ ሕብሪ ክልከ፡ ብመስተ ተሰኒፎም ክንሶም መካይን ንዝመርሑ ዝብየን መቕጻዕቲ ድማ ክተርር ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ 2017 ዘጋጠመ ሓደጋታት ህይወት 41 ሰባት ክቐዝፍ እንከሎ፡ ኣብ ንብረት ድማ ኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ዕንወት ከምዝወረደ፡ ጸብጻባት ፖሊስ የመልክቱ።

Categories