ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ተርእዮ ብከላ ጸረ- ባልዕ ኣብ ፍርያት ኮሚደረ ንምቊጽጻር፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ስጉምቲ ወሲዱ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ካብ ህዝቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ጥዕና ሳዕቤናት ዘኸትል ተርእዮ ዝኽሰተሉ ከባቢ ንምጽናዕ ብዘሰላሰሎ ንጥፈታት፡ ነቲ ምንጪ ክፈልጦ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ንህዝቢ ክሽየጥ ተቐሪቡ ዝነበረ ኣስታት 256 ኩንታል ኮሚደረ፡ ብ27 መጋቢት ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኸውን ገይሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊት ጨንፈር ምቊጽጻር ሃብቲ ብቚሊ ወይዘሮ ልኡላ መኰነን፡ እዚ “ቱታ ኣብሶሉታ” ንዝተባህለ ባልዕ ኮሚደረ ንምክልኻል ተባሂሉ ኣብ ግዜ ምሕፋስ ምህርቲ ዝንጸግ ጸረ-ባልዕ፡ ከም ተርእዮ ኣብ 2017 ተኸሲቱ ምንባሩ፡ ንምግታኡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ከምእተወስደን፡ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ ኣብ ፍርያት ኮሚደረ ንሓረስቶት ኣስተምህሮታት ከምእተዋህበን ብምሕባር፡ ዳግማይ ተርእዮ ናይ’ቲ ጸረ-ባልዕ ብዝምልከት ህዝቢ ንዘቕረቦ ሓበሬታ ኣመስጊና።

“ምርግጋጽ ድሕነትን ብቕዓትን ምህርቲ ሕርሻ፡ ካብ ቀዳምነታት ሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ” ዝበለት ወዘይሮ ልኡላ፡ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ኣካል ናቱ ምዃኑን ገሊጻ። እቲ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ሽታ ስለዝገብር፡ ተጠቃሚ ህዝቢ ክዕድግ ከሎ ክጥንቀቕ ድማ ኣዘኻኺራ።

Categories