ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምስ ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ካልኦት መሻርኽትን ብምትሕብባር፡ ትማሊ 27 መጋቢት ኣብ ሆቴል ኣስመራ- ፓላስ፡ ክሳብ 2021 ዘስርሕ ሃገራዊ ውጥን ውሑስ ጥዕና – ንትግባረ ኣበጊሱ።

ኣብቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ኣህጉራውያን ውድባትን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ እዚ ን5 ዓመታት ዝተዘርግሐ ሃገራዊ ውጥን፡ ዝኾነ ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎ ሕማም ምስ ዘጋጥም፡ ሃገራውን ኣህጉራውን ስግኣት ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣለሊኻ ቅልጡፍ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ።

ነዚ ስትራተጂካዊ ውጥን ንምምዕባል፡ ሽርክነታዊ ውህደት ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስትን ኣህጉራውያን ውድባትን ከምዝሓተተ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣሚና፡ ምስ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ውጥን ምዕባለ ጥዕናን ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለን ብዝሳነ መገዲ ከምእተዳለወ፡ ኣብ ትግባረኡ ድማ ተራ መሻርኽቲ ኣካላት ንጹር ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ፡ ዶክተር ጆሰፊን ናምቦዘ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘጋጥም ተላባዒ ሕማማትን ካልእ ጥዕናዊ ሓደጋታትን፡ ንካልኦት ሃገራት ስለዝጸሉ፡ ብደረጃ ሃገር፡ ዞባን ኣህጉርን ሓባራዊ ጥዕናዊ ርድኢት ብምፍጣር ግብረ-መልሲ ክወሃበሉ ግድነታዊ ምዃኑ ኣገንዚባ።

ንመብጸዓ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ሃገራዊ ውጥን ንውሑስ ጥዕና ዘመጐሰት ዶክተር ጆሰፊን፡ ትግባረ ናይ’ዚ ውጥን ንምስማርን ጥዕናዊ ውሕስነት ንምርግጋጽን፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ምስ ኤርትራ ዘለዎ ምትሕብባር ከምዘደንፍዕ ገሊጻ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣህጉራዊ ምቊጽጽር ጥዕና፡ ስርዓተ-ጥዕና ኤርትራን ኣሰራርዓ ሃገራዊ ውጥን ትግባረ ውሑስ ጥዕናን፡ ራኢን ዕላማን ናይ’ቲ ውጥን፡ ከምኡ’ውን ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ተጻውሮ ጸረ- ነፍሳት መድሃኒታትን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ዛዕባታትን ዘብርሁ መግለጺታት ቀሪቦም።

Categories