ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ ብ19ን 20ን መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ዝተራእዩ ድኽመታት ብምእላይ ብልጫታት ንምድንፋዕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘትዩ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ትምህርቶም ካብ ዝተኸታተሉ ልዕሊ 200 ሽሕ ተማሃሮ እቶም 81 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ናይ’ቲ ጨንፈር፡ ንዝበረኸ ውጽኢት፡ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምኡ’ውን ምውዳብ ሞያዊ ኣበርክቶ መማህራን ዝድርዕ ስልጠናታት ኣድህቦ ተዋሂቡ ክስራሓሉ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መብዛሕትአን ንኡሳን ዞባታት ዝርአ ሕጽረት መምሃሪ ኮምፕዩተራት፡ ኣብያተ-ፈተነ፡ ሰደቓታትን እርጋን መምሃሪ ክፍልታትን፡ ህጹጽ ኣቓልቦ የድልዮ ኣሎ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ብኽነት ናይ ትምህርቲ ክፍለ- ግዜ ካብ’ቶም ንውጽኢትን ብቕዓትን ተመሃሮ ብኣሉታ ዝጸለዉ ተርእዮታት ምንባሩ ጠቒሱ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ዝያዳ ንምብራኹ፡ መማህራን ብተመሃሮ ዝርአ ድኻማት ንምውጋድ፡ ሞያዊ ተራኦም ከዕዝዙ ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምደባ ሓደስቲ መማህራን ዝርአ ምድንጓያት፡ ሕጽረት ስነ-ምምህርናዊ ስልጠናታት፡ ከምኡ’ውን ዘይተማልአ ትሕተ-ቅርጺ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ’ቶም ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝብድሁ ስለዝኾኑ፡ ንምምሕያሾም ክስራሕ ተማሕጺኖም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ድልዱል ሰረት ሒዙ ንኽህነጽ፡ ሞያዊ ጻዕሪን ተወፋይነትን መማህራን ክድንፍዕ ኣዘኻኺሩ።

Categories