ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝውጠኑ መደባት ብሓፈሻ፡ ንጥዕናን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝምልከቱ ድማ ብፍላይ ብኣድማዕነት ንምትግባር፡ ውህደት ኩለን ኣካላት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ብ21 መጋቢት ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ማሕበረ-ባህላዊ ብድሆታት ብምግጣም ኩሉ-መዳያዊ ተራን ኣበርክቶን ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያል ዝካየድ ቃልሲ፡ ንሓደ ኣካል ዘይግደፍ – ናይ መላእ ሕብረተሰብ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብዝተወሃሃደ ኣገባብ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ነቲ ብድሆታት ንምግጣም፡ ካብ ዞባ ክሳብ ከባብን ዓዲን ዝወርድ ቅርጽን ኣወዳድባን ዝሓዘን፡ ዕማምን እጃምን ዘንጽርን ሓባራዊ ናይ ስራሕ መደባት ተሓንጺጹ ከምዘሎ ዝሓበረት ሚኒስተር ኣሚና፡ እቶም ብዙሕ ኣተኲሮ ክወሃቦም ዘይጸንሑ – ግን ከኣ ጥዕናዊ ጸገማት ዘስዕቡ ከም ማሕጎማ፡ ምኽላእ ዓንቀርን ካልኦትን ልምድታት፡ ልዑል ኣድህቦ ክወሃቦም ተላብያ።

ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ ብወገና፡ ቅድምን ድሕሪን ናጽነት ብዝተኻየደ ዘይሕለል ጻዕሪ ዝተጠርየ ንቕሓት፡ ኣብ’ዚ እዋን ተበጋጊሱ ብዘሎ ውሁድ ናይ ስራሕ መድረኸ ተሓጊዙ፡ ጭቡጥ ውጽኢት ክርከቦ ከምዝኽእል ኣሚታ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ እውን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ንገስጋስ ደቂ-ኣንስትዮ ዝገትእን ጥዕናዊ ጸገማት ዘስዕብን ማሕበረ-ባህላዊ ብድሆታት ንምውጋድ ዝተኻየደ ስራሕ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ጌና ጻዕርን ስራሕን ዝሓትት ብምዃኑ ግዳ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕሮምን ውህደቶምን ከሐይሉ ተላብዩ።

Categories