ኣብ ከተማ ከረን፡ ንወነንቲ ሚኒባሳትን ጋራጃትን ኣብ ድሕነት ትራፊክ፡ ኣብ ገልዓሎን ኣፍዓበትን ድማ ንዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወነንቲ ትካላትን ተመሃሮን፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን በደላትን ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ።

ብ20 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ዓንሰባ ሜጀር ተኽለብርሃን ዮውሃንስ፡ ሰኣን ጥንቃቐ ምግባር፡ ኣብ ናይ ቋሕ- ሰም ግዜ ሂወት ሰብ ይቕዘፍን ከቢድ ክሳራ ኣብ ንብረት ይወርድን ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ መራሕቲ መካይን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓላፍነታውያን ክኾኑ ኣተሓሳሲቡ።

ንኣጋር ቀዳምነት ዘይምሃብ፡ ምልክታት ትራፊክ ብግቡእ ዘይምጥቃም፡ ክቱር ናህሪን መስተ ሰቲኻን መኪና ምምራሕን፡ ብመራሕቲ ተሽከርከርቲ ካብ ዝረኣዩ ጉድለታት ምዃኖም ጠቒሱ ድማ፡ ወነንቲ ጋራጃት ንትሕቲ ዕድመ መኪና ከየፈትኑን ሓደጋ ንዝፈጸመት መኪና ብዘይፍቓድ ከይጽግኑን ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ሰርጌንቲ ሓሰበላ መሓመድ ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ድማ፡ ተራ ወለዲ ኣብ ምእላይን ምቊጽጻርን መንእሰያት ክሕይል፡ ገበናትን ፈጸምቶምን ንምቅላዕ ድማ ምትሕብባር ፖሊስን ህዝብን ክዓዝዝ ተላብዩ።

ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ምስ ተመሃሮ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ከኣ፡ ሓላፊ ምክልኻል ገበን መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ታደሰ ሓደራ፡ ገበን ከይፍጸም ኣብ ምክልኻልን እንተፈጸሙ ድማ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብን፡ ተመሃሮ ንቑሕ ተሳትፎኦም ከዕብዩ ጸዊዑ።

Categories