ካብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ማእከልን ጋሽ-ባርካን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ሕርሻ፡ ከምኡ’ውን ሓረስቶት ዞባ ዓንሰባ ዝተሳተፍዎ ስልጠናን ኣስተምህሮን ብዛዕባ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ፡ ካብ 13 ክሳብ 17 መጋቢት ኣብ ከተማ ከረን ተዋሂቡ።

እቲ ንክኢላታት ሕርሻ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ብቐንዱ ኣብ ሓድሽ ተርእዮታት ባልዕ ኣብ ኣፍሪቃ ዘተኰረ ኮይኑ፡ ንኣመጻጽኣኡን ባህርያቱን፡ ኣገባብ ምክልኻሉን ሳዕቤናቱን ዘብርህ ምዃኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ገሊጹ።

ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ፡ ብኣጋኡ ዕቱብ ጥንቃቐ ምስ ዘይግበረሉ ንምቊጽጻሩ ኣሸጋሪ ስለዝኸውን ከቢድ ሃስያ ከምዘውርድ ዝጠቐሰ ኣቶ ቴድሮስ፡ ኣቐዲምካ ኣብ ኣፍልጦን ንቕሓትን ክኢላታትን ሓረስቶትን ዝተመርኰሰ ቅድመ-ምድላዋት ጌርካ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ንምቊጽጻሩ ውጽኢታዊ ዕማም ክሰላሰል ከምዝሕግዝ ኣብሪሁ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ንልዕሊ 2200 ሓረስቶት ዞባ ዓንሰባ ተመሳሳሊ ኣስተምህሮ ከም እተዋህበ፡ ካብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ብክኢላታት ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ዓንሰባ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ በብእዋኑ ኣፍልጦ ሓረስቶት ንምዕባይ ዝውደብ ኣስተምህሮታት ኮይኑ፡ ሓረስቶት ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ምድላዋቶም ከጻፍፉ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ መሬትን ሕርሻን ኣቶ ባህታ ቴድሮስ፡ ሓረስቶት ዝቐሰምዎ ፍልጠት፡ ምስ ክኢላታት ሕርሻ ብምትሕብባር ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ተላብዩ።

Categories