ተመሃሮ፡ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ብዲስፕሊን ክዂስኰሱን ብክብርታት ሕብረተ-ሰቦም ክመላለሱን ዝካየድ ጻዕሪ፡ ብውህደት ኮምን ትካላት ትምህርትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝያዳ ክስራሓሉ፡ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ መማህራን፡ ኮሚተ ወለዲን ካልኦት ኣካላትን ዝተሳተፍዎ ብ17 መጋቢት ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊት ኣሃዱ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ወይዘሮ ነጃት ኣልኣሚን፡ ኣብ ተመሃሮ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ – መጐሳጐሲ መምርሒታት፡ ጥዑይ ኣተኣላልያ መማህራን፡ ወለድን መሻርኽትን ክህሉ መሰረታዊ ከምዝኾነ ገሊጻ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቶም ኣቐዲሞም ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተጸንዑ፡ ከም ምድንጓይ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ፡ ሸለልትነት ኣብ ትግባረ መምርሒታት ቤት-ትምህርቲ፡ ብኩራት ዝኣመሰሉ ክእረሙ ዝግብኦም ባህሪያት ድሕሪ ምዝታይ፡ ፍታሕ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ዘይእሩም ባህሪያት ኣብ ዘርእዩ ተመሃሮ ዝውሰድ ስጉምቲ ቅልጡፍን ኣራሚን ክኸውን፡ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝግበር ኣተኣላልያ ክሕይል፡ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ዝንባለኦም ዘንጸባርቑሉ ትሕተ-ቅርጺ ቈላሕታ ክወሃቦ እውን ተላብዮም።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ ኮሚተ ወለዲ ግቡእ ዕማማታ ክትፍጽም ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳር ከተማ ከረን – ኩሉንትናዊ ምዕባለ ትምህርትን ተመሃሮን ንምርግጋጽ፡ ካብኡ ዝሕተት ንምብርካት ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊጹ።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ኩነታት ዲስፕሊን ተመሃሮ ንምግምጋም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ን13 ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃታት ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን መሻርኽትን ብዝርዝር ከምዝዘተየ ተፈሊጡ።

Categories