ብምትሕብባር ጨናፍር ሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርትን ዞባ ማእከል፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝካየድ ጥዕናዊ መርመራታት፡ ኣብ ምልላይ ጸገማት ተመሃሮን ብኣጋ ኣብ ምፍዋሱን ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ- ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ምክታትል ጥዕና፡ ብቐንዱ ኣብ መርመራ ዓይኒ፡ እዝኒ፡ ስኒ፡ ኣፍንጫን ጐሮሮን ዘተኰረ ኮይኑ፡ ነቶም ጸገማት ዝጸንሖም መድሃኒት ከምዝዕደሎም፡ ናይ ዓይኒ ጸገማት ንዝጸንሖም ድማ ብናጻ መነጸር ዓይኒ ከም ዝወሃቡ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን መምህር እስቲፋኖስ ገብረሃዋርያት ገሊጹ።

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ቤት-ትምህርቲ ንጥዕና ተመሃሮ ዝከታተል መምህር ከም እተመደበ ዝገለጸ መምህር እስቲፋኖስ፡ ንመማህራን እውን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ከምዝወሃብ ሓቢሩ።

ተጸዋዒ ምክትታል ጥዕና ተመሃሮ መምህር ኤፍረም ስዩም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንልዕሊ 134 ሽሕ ተመሃሮ ኣገልግሎት ጥዕና ከም እተዋህበ፡ ናይ ዓይኒ ጸገም ንዝነበሮም ተመሃሮን መማህራንን ድማ ኣስታት 500 መነጸር ብናጻ ከምእተዓደለ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ወለዲ ኣብ ምክትታል ጥዕና ደቆም ዕቱባት ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣገልግሎት ምክትታል ጥዕና ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ 2004 ከም እተኣታተወ ሰነዳት ሚኒስትሪ ትምህርቲ የረድኡ።

Categories