ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን፡ ኣብ ሕጊ ዕዮ ዘለዎም ኣፍልጦ ብምብራኽ ብምልኣት ከተግብርዎ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ጸዊዑ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ዕዮ ኣቶ ወልደኢየሱስ ኤሊሳ፡ ሕጊ ዕዮ ንሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ብምዕሩይ ዓይኒ ጠሚቱ ርጉእ ናይ ስራሕ ሃዋህው ከምዝህሉ ዝገብር ብምዃኑ፡ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ንመንፈስ ናይ’ዚ ሕጊ ብዝግባእ ክግንዘብዎ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ክፍሊ ዕዮ፡ ትግባረ ናይ’ቲ ብቚጽሪ 118/2001 ዝፍለጥ ሕጊ ዕዮ ንምክትታል ቊጽጽራዊ ስራሓት ከምዘካይድ፡ እዚ እኹል ስለዘይኮነ ድማ፡ ዜጋታት ብመገዲ መሰረታውያን ማሕበራት ንቕሓቶም ንምብራኽ ከምዝስራሓሉ ኣረዲኡ።

ናይ መሰጋገሪ ግዜ ኣብ ቦታ ስራሕ 90 መዓልታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ኣስራሒ ቈጺርዎ ዘሎ ሰራሕተኛ ዕማሙ ከምዘማልኣሉ ዝፍትነሉ፡ ሰራሕተኛ ድማ እቲ ስራሕ ማዕረ ክንደይ ይምእምኦ ዝግምግመሉ ምዃኑ ብምሕባር፡ ድሕሪ’ዚ መዓልታት ግን፡ ብመሰረት ሕጊ ዕዮ ሓባራዊ ውዕል ክኽትሙን ክምዝገቡን ግዴታ ከምዘለዎም ኣገንዚቡ።

ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኽሰቱ ክርክራት፡ ውልቃውን ሓባራውን ተባሂሎም ከምዝፍለዩ፡ እቲ ናይ ውልቂ ብቐዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ከምዝርአ፡ እቲ ናይ ሓባር ግን ብማሕበራት ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ከምኡ’ውን ብመንግስቲ ብዝቘመ ስሉሳዊ ቤት-ፍርዲ – ማለት ‘ቦርድ ዝምድናታት ዕዮ’ ከምዝርአን ውሳነ ከምዝወሃበሉን ገሊጹ።

ስሉሳዊ ዝምድና ዕዮ – ሰራሕተኛታት ይኹኑ ኣስራሕቲ ብማሕበር ተጠርኒፎም ሕቶታቶም ንከቕርቡ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ጉዳይ ዕዮ ሚዛን ከምዝህሉ ንምግባር ዘኽእል ቅኑዕ ውሳነ ንኽወስድ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ዝምድና ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኤርትራ፡ ካብ 1993 ኣትሒዛ ኣባል ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ እያ።

Categories