ኣብ ገማግም ሩባ ሕዳይ – ንኡስ ዞባ ናቕፋ ጀራዲን ዘልምዑ ዘለዉ 45 ሓረስቶት ምምሕዳር ከባቢ በያን፡ ጸጋታት ናይቲ ሩባ ብግቡእ ስለዝተጠቕምሉ፡ ዘተባብዕ ምህርቲ ይረኽቡ ከምዘለዉ ገሊጾም።

እቶም ሓረስቶት ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብዝረኽብዎ ሞያዊ ምኽሪ ተሓጊዞም ብትግሃት ስለዝሰርሑ፡ ንጥፈታቶም ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ዘልምዕዎ ዘለዉ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ኣብ ምምላእ ጠለባት ዕዳጋታት ናቕፋን ኣፍዓበትን ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ጠቒሶም ድማ፡ ብዝረኽብዎ ዘለዉ ውጽኢት ተተባቢዖም፡ ተወሳኺ መሬት ብምድላው ዝተኸልዎ 120 ኣግራብ ኣራንሺ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

Categories