ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ዓዲ- ቐይሕን ኣብ ዞባ ማእከል – ምምሕዳር ከባቢ እምባደርሆን፡ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኻየደ ወፈራታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ምግራብ፡ ዝምስገን ውጽኢት ተረኺብዎ።

በቲ ውጽኢት ዝተተባብዑ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሓይነባን ሃዳሙን፡ ብውሕጅ ተባሕጒጉ ንተሽከርከርትን ካልእ ምንቅስቓሳትን ኣጸጋሚ ኮይኑ ንዝጸንሐ ሩባ ብጋብዮን ናይ ምፍዋሱ ስራሓት ከካይዱ ከለዉ፡ ኣብ ምድረገዳ ዝተባህለ ቦታ ድማ ከትሪታት ከምዝሰርሑ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ምፍዋስ ማይ-ክዖታት፡ ምጽጋን ዝተባሕጎጐ መሬትን ምስራሕ ከትርታትን ዘጠቓልል ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣባላት ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከባቢ እምባደርሆ ኣብ ኣስታት 3 ሽሕ ትርብዒት ሜተር ኣብ ዝተኸልዎ ፈልሲታት ወፈራ ኣካዪዶም።

እቲ ዝተተኽለ ልዕሊ 400 ፈልሲታት፡ ቀላሚጦስ፡ ጽሕዲ፡ ኣውሊዕን ካልእ መበቈላዊ ኣግራብን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ጸዲቑ እዩ።

Categories