ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ጐዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ፡ ክሽቦን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ድማ ብፍላይ ንምውጋድ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣተባባዒ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ተገሊጹ።

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጎኜን ሃይኮታን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ክሳብ ዓድታት ዝወርድ ናይ ውዳበ ሜላ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ምሕያልን ደቂ-ኣንስትዮ ዘለዎ ተራ ልዑል ብምዃኑ፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ኣብሪሃ።

ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ተመሳሳሊ ርክብ ድማ፡ ኣብ ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊት ፖለቲካውን ውድባውን ጉዳያት ወይዘሮ ኣኽበረት ተኸስተ፡ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣተኲሮም ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት፡ ሳላ ዕዙዝ ተሳትፎ መሻርኽቲን በብእዋኑ ዝብርኽ ዘሎ ንቕሓት ሕብረተሰብን ኣድማዕቲ ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ንዝተቐስመ ተመኲሮ ከም መንጠሪ ባይታ ብምጥቃም፡ ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

Categories