ኤርትራ፡ ካብ 7 ክሳብ 10 መጋቢት ከተማ በርሊን ኣብ ዘአንገደቶ መበል 53 ኣህጉራዊ ምርኢት ቱሪዝም ተሳቲፋ።

ኣብ’ቲ ምርኢት፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ክትሰፍር ምስ ዘኽኣልዋ ረቛሒታት ዘላሊ ስእላዊ መግለጺታትን ጽሑፋትን፡ ንቱሪዝማዊ ጸጋታት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢትን ኣብ ብዙሕነትና ንዘሎ ጽባቐ ዘጒልሕ መሰናድኦታትን ቀሪቡ።

ዓመት መጸ ዝካየድ ኣህጉራዊ ምርኢት ቱሪዝም – በርሊን፡ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ሃገራት ካብ ዝንጸባረቐሉ ኣገደስቲ መድረኻት ኮይኑ፡ ዓመታዊ ካብ 185 ሃገራት ዝመጻ ኣስታት 10 ሽሕ ትካላት ቱሪዝምን መገዲ ኣየራትን ይሳተፍኦን ኣስታት 165 ሽሕ በጻሕቲ የአንግድን።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሃገራዊ ሽማግለ ከተማ ፍራንክፈርት ዝተወደበ፡ ኣብ እዋናዊ ምዕባለታት ዘተኰረ መግለጽን ኣስተምህሮታትን ዘጠቓለለ ሰሚናር ተኻዪዱ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ንቕሓት ዝሰረተ ውዳበታቶም ኣደልዲሎም፡ መኸተኦም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ምውህላል ገንዘብን ኣገዳስነቱ ኣብ ቊጠባ ውልቀ-ዜጋን ሃገርን፡ ተራ ፈስቲቫል ኣብ ምዕቃብ ባህልን መንነትን. . . ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ድማ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ፡ ላስ-ቬጋስን ቺካጎን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጅዳን ሪያድን – ስዑዲ ዓረብ፡ ሆላንድ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኩወይት፡ ጁባ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል፡ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን፡ ኢጣልያ፡ ጀርመንን ዴንማርክን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ን8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፡ ታሪኽን ቅያን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ እዋናትን መዳያትን ብዘንጸባርቕ መሰናድኦታት ዘኪሮምዋ።

Categories