ሃሳዪ ልምድታትን ድሑር ኣተሓሳስባታትን ብንቕሓት ኣብ ዝምከተሉ ዘሎ እዋን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳታፍነተን ኣብ ትምህርቲ ከዕዝዛን ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ጻዕሪታተን ከሐይላን፡ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ሓላፊት ፖለቲካውን ውድባውን ጉዳያት ሃማደኤ ሜጀር ትዕበ ክንደያ፡ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝሃበቶ ንተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መደባት ልምዓት ዝምልከት ሰሚናር፡ ሳላ’ቲ ብመንግስትን ህዝብን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልምዓታዊ ንጥፈታት ዘተባብዕ – ግን ከኣ ዘየዛኒ ለውጢታት ይረአ ከምዘሎ ጠቒሳ፡ ናብቲ ዝድለ ሸቶ ንምብጻሕ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺራ።

መንግስቲ ኤርትራ ንኣበርክቶን መሰላትን ደቂ-ኣንስትዮ ብዝግባእ ብምግንዛብ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ብማዕረ ዝሳተፋሉ ባይታ ከምዝፈጠረ ብምጥቃስ ከኣ፡ እቲ ኣብ ሓደ-ሓደ ናይ ስራሕ ቦታታት ዝህነጽ ዘሎ መውዓሊ ህጻናት፡ ንተሳትፎአንን ኣበርክቶአንን ዘተባብዕ ብምዃኑ ብሰፊሑ ክሰዓብ ተላብያ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ንዝጸንሐ ኣተሓሳስባታት ንምቕያር ብግብራዊ ስራሕን ትምህርትን ክስጒማን ኣብነታውያን ክኾናን፡ ናይ ኩሉ ምትሕብባር ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

እቲ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ካብ 6 ክሳብ 8 መጋቢት ኣብ ሳዋ ዝተኻየደ መደብ፡ ብዝተፈላለየ ስነ-ጥበባውን ስፖርታውን መሰናድኦታት ዝተሰነየ ምንባሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

 

Categories