ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ተወጢኖም ዘለዉ ዓበይቲ መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንኽትግበሩ፡ ህዝቢ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ኣብ ጢዖ፡ ዕዲን ዋደን ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ዝተበጋገሱን ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝያዳ ሰፊሖም ክካየዱ ዝተወጠኑን ልምዓታዊ መደባት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት ክካየድ ዝጸንሐ ሕርሻዊ ንጥፈታት ብምስፋሕ፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ከም ዝስራሓሉ ገሊጹ።

ኣብ ሓውሲ ከተማታት ጢዖ፡ ዕዲን በርዓሶለን ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ዝስተ ማይ ነባሪ ፍታሕ ክርከቦ ይጸዓረሉ ምህላዉ ጠቒሱ ድማ፡ ምወዳድ ናይ’ቲ ፕሮጀክታት ማይ፡ ኣብ ምጥርናፍ ናይተን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ዓድታት ደፋኢ ተራ ከምዝህልዎ ኣረዲኡ።

ነቲ ዞባ ምስ ካልኦት ዞባታት ዘራኽቦ ቀንዲ መስመር ጽርግያ በቲ ሓደ፡ ንዓድታት’ቲ ዞባ ንሓድሕደን ዘራኽብ መገብቲ ጽርግያታት ድማ በቲ ካልእ፡ ብዓቕሚ ህዝብን መንግስትን ንምጽጋኑን ንምስፍሑን ደረጃ ብደረጃ ክስራሓሉ ምዃኑ ዝገለጸ ኣምባሳደር መሓመድ- ስዒድ፡ ህዝቢ ተወዲቡ ዘካይዶ ወፈራዊ ማእቶት ከሐይል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርአ ምኽንሻብ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ትሑት ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርትን – ንዝተወጠኑ መደባት ልምዓት ዝጻረሩ ስለዝኾኑ፡ ንምውጋዶም ተራ ህዝቢ ክዓዝዝ፡ ከምኡ’ውን ኣዋጃትን መምርሕታትን ግብሪ መሬት፡ ጥሪትን ካልእን ኣብ ምትግባር ህዝቢ ብንቕሓት ክሳተፍ ተላብዩ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ኣደም ዓሊ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ውድባውን ቊጠባውን መዳያት ዝተወጠኑ ሰፋሕቲ መደባት ስለዘለዉ፡ ህዝቢ’ቲ ዞባ ኣብ ትግባረኦም ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

Categories