ኣብ ድባርዋ፡ ብሞያ ዝሰልጠኑ ልዕሊ 60 መንእሰያት፡ ብ6 መጋቢት ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ 2017/2018 ብጠቕላላ ልዕሊ 470 መንእሰያት፡ ካብ 3 ክሳብ 6 ኣዋርሕ ዝቐጸለ – ብጽርበት ዕንጸይቲ፡ ምርባሕ ንህቢ፡ ኮምፕዩተር፡ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፡ ብምርባሕ ደርሁን ካልእን ከምዝሰልጠኑ ተገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ፡ ሳላ’ቲ ዝተጠርየ ሞያ ብውልቆም ትካል ብምኽፋትን ምስ ካልኦት ብሓባር ብምስራሕን መነባብሮኦም ዘመሓየሹ ከምዘለዉ እውን ኣረዲኡ።

ሓላፊ ሃመማተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ፡ መንእሰያት ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ’ቲ ዘድምዑሉ ዓውድታት ስልጠናታት ንምሃብ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ዓቕሚታት መንእሰያት ንምህናጽ ብዕቱብ ይስራሓሉ ብምህላዉ፡ ብዝቐሰምዎ ሞያ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣብ ባይታ ይረአ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

Categories