ኣብ ከተማ ከረን፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ጐድኒ-ጐድኒ ዕብየት ቊጽሪ ነበርቲ ብመጠንን ዓይነትን ምዕባለ ከምዘርኣያ፡ ኣመሓዳሪ ናይ’ታ ከተማ ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት ሓቢሩ።

ቊጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ መዋእለ- ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ 68 በጺሑ ከምዘሎ፡ ኣገልግሎት ጥዕና’ውን በብግዜኡ እናማዕበለ ክመጽእ ምጽንሑን ምስ ብዝሒ ህዝቢ ዝዳረግ ምዃኑን ኣረዲኡ።

ኣብ ከባቢ ሩባ ዓንሰባ፡ ኣብ 441 ሄክታር ዝለምዕ ጀራዲንን ዝካየድ ንጥፈታት ምርባሕ ከብትን’ውን፡ ብስፍሓቱን ንጥፈታቱን ዕቤት ብምምዝጋብ፡ ካብኡ ዝርከብ ምህርቲ ፍረታት፡ ኣሕምልትን ጸባን፡ ካብ ከተማ ከረን ሓሊፉ ናብ ካልኦት ከተማታት ከምዝለኣኽ ገሊጹ።

ጉዳይ ተኻራዪን ኣካራዪን ብመሰረት ኣዋጅ መንግስቲ፡ ከምቲ ዝተወጠኖ ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ጽሬት ጐደናታት ንምውሓስ መዓልታዊ ዝነጥፋ ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ’ውን ደረቕን ፈሳስን ጐሓፍ ዘመላልሳ መካይን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ኣቶ ዘርእዝጊ፡ ምድልዳል መሬት ሕርሻን ምምዕባል ሞያዊ ዓቕሚ ሰራሕተኛታትን፡ ካብ’ቶም ቀንዲ መደባት ናይ’ቲ ምምሕዳር ምዃኖም ጠቒሱ፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ብዝለዓለ ክነጥፍ ተላብዩ።

Categories