ኣብ ዞባ ማእከል፡ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ዝጸልዉ ጉዳያት ብንጹር ስለእተለለዩ – ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደየሎም ጻውዒት ቀሪቡ።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብ9 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ መስርሕ ምርግጋጽ ብቕዓት ትምህርቲን ምሕያል ውጽኢት ተመሃሮን ኣብ ሓያሎ ረቛሒታት ስለዝምርኰስ፡ ነቶም ቀንዲ ጸገማት ንምፍታሕ ዝተወጠኑ መደባት ብውህደት ክትግበሩ ከምዘድሊ ብሰፊሑ ተዘትዪሉ።

ሓለፍቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ናይ ሎሚ ዓመት ኣጀማምራ ትምህርቲ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓሸ ከምዝነበረ፡ ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ’ውን ብኣጋ ከም እተቐረበን ከምእተኸፋፈለን ክሕብሩ እንከለዉ፡ ዝተመደቡ መማህራን ብኣጋ ናብ ቦታኦም ዘይምብጽሖምን ጽገና ዘድልየን ኣብያተ-ትምህርቲ ዘይምጽጋነንን፡ ካብ’ቲ ቈላሕታ ዘድልዮ ጉዳያት ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣቶ ገብረዮውሃንስ ወልደገርግስ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝርአ ድኽመታት በበደረጃኡ ንምምሕያሽ፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብዓቢኡ ድማ ሕብረተ-ሰብ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

 

Categories