ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ድገን፡ ውጽኢት ተመሃሮ እናዓዘዘ ከምዝመጸ፡ እዚ ድማ ፍረ ውሁድ ጻዕሪ ኮማትን ኣብያተ- ትምህርትን ከምዝኾነ፡ በብከባቢኡ ኣብ ዝተኻየደ ርክባት ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣብ ዝተኻየደ፡ እወታውን ኣሉታውን ጐድንታት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ቤት- ትምህርቲ ዝቐረበሉ ገምጋም፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ትምህርቶም ካብ ዝተኸታተሉ ልዕሊ 15 ሽሕ ተመሃሮ፡ እቶም ልዕሊ 86 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዑመረዲን መሓመድ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ 47 ሚእታዊት ምብጽሑ፡ ነዚ ክብ ንምባሉን ተወዳዳርነተን ንምምሕያሽን ከኣ – ተራ ወለድን መማህራንን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ ኣብ ዝተገብረ ተመሳሳሊ ገምጋም፡ ሓላፊ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዓብደላ ዑመር፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ብ14 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፡ ምስ ብዝሒ ነበርቲ ብምንጽጻር እዚ ኣሃዝ’ዚ ትሑት ብምዃኑ ድማ፡ ብቕዓት ተመሃሮ ንምሕያል ንመማህራን ስልጠናታት ንምሃብን ዝደኸሙ ተመሃሮ ንምሕጋዝን መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories