በብግዜኡ ምስ ህዝቢ ዝካየድ ርክባት፡ ጸገማት ብምልላይ ፍታሕ ንምንዳይ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ፡ ንዕላማ ናይ’ቲ ካብ 8 ክሳብ 25 ለካቲት ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባታት ብዝምልከት ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።

ባይቶ፡ ህዝቢ ዝሓተሎም ጉዳያት መልሲ ንክረኽቡ መጽናዕትታት ከምዝገብርን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርኻብ ንምምላሶም ከምዝሰርሕን ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም፡ ዛጊት ኣብ ምምላእ መሰረታዊ ቀረባት በብደረጃኡ ዘተባብዕ ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ባይቶ፡ መራኸቢ ድንድል ኣብ ሞንጎ ህዝብን መንግስትን ከም ምዃኑ መጠን፡ ዝወጹ መምርሒታትን ኣዋጃትን ትግባረኦም ንምርግጋጽ፡ ምስ ህዝቢን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን እናተረዳድአ ከምዝነጥፍ ኣብሪሁ።

ጉዳይ ተኻራዪን ኣካራዪን መስመሩ ሒዙ ስለዘሎ፡ ህዝቢ ኣብ ተግባራውነቱ ዕቱብ ክኸውን በዚ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ኣብርሃም፡ ህዝቢ ከም ወትሩ መደባት ልምዓት ኣብ ምድንፋዕ፡ ቅርስታት ኣብ ምዕቃብ፡ ጽሬት ከባቢ ኣብ ምሕላው፡ መንእሰያት ብብሉጽ ክብርታት ሕብረተ-ሰቦም ከም ዝህነጹ ኣብ ምግባር፡ ማእቶታዊ ንጥፈታት ኣብ ምዕዛዝን ጐዳእቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድን ብዝለዓለ ክዋሳእ ኣዘኻኺሩ።

Categories