ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ህዝቢ ዝካየዱ ጥዕናዊ ጐስጓሳትን ዝወሃቡ ኣስተምህሮታትን ዝያዳ ንኸድምዑ፡ “ምብህሃል ንምዕባለ” ብዝብል ቴማ፡ ን20 ኣባላቱን ኣብ ጥዕናዊ ጐስጓሳት ዝነጥፉ መሻርኽቱን ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት ኣብ ከተማ ድባርዋ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ንትርጉምን ኣገዳስነትን ምብህሃል፡ ስትራተጅን ኣድማዕነትን ምብህሃል፡ ሜላታት ምብህሃልን እወታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ምብህሃልን ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ብክኢላታት መብርሂ ቀሪቡ።

ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከድምዕ፡ ጽጹይ መጽናዕትን ድሕረ-ባይታን ሰማዕቲ፡ እትጥቀመሉ ሜላ ምብህሃልን ህልው ኩነተ-ኣእምሮ ሰማዕትኻን ገለ ካብቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ምዃኖም ዝጠቐሱ ክኢላታት፡ ምብህሃል ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ እንተደኣ ተጠቒምካሉ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ የማነ ሃይለ፡ ዕላማ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ዓቕሚ ጐስጐስቲ ብምዕባይ ሓሓሊፎም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝራኣዩ ጐዳእቲ ልምድታት ብንቕሓት ንምውጋድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ተሳተፍቲ ውጽኢት ዝርከቦን ናብ ትግባረ ዝደፍእን ጐስጓሳት ከካይዱ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

Categories