ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ጋሽ- ባርካ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱ፡ ሃይኮታን ሻምብቆን ብሞያታት ኤዲቲንግ፡ ግራፊክስን ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእስን ዘሰልጠኖም 90 መንእስያት ኣመሪቑ።

እቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ን15 መንእስያት ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኤዲቲንግን ግራፊክስን፡ ን25 መንእሰያት ድማ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ስነ-ጽባቕ ጸጒሪ ርእሲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሃይኮታን ሻምብቆን ድማ ን50 መንእሰያት ናይ ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ዕላማ፡ መንእሰያት ሞያ ቀሲሞም ነብሶምን ንስድራ-ቤቶምን ንኽኣልዩ ብምዃኑ፡ ልቓሕ ብምሃብ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2018 ናይ ምጥያሶም መደብ ከምዘሎ፡ ኣብ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ክፍሊ ፕሮጀክትታት ኣቶ ዳኒኤል ኣብርሃ ገሊጹ።

ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ሞያ ብግቡእ ክግልገልሉ ዘዘኻኸረ ሓላፊ ፖለቲካውን ውደባውን ጉዳያት ጨንፈር ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ ማሪቆስ ግርማጽዮን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ 12 ንኡሳን ናይ’ቲ ዞባ 400 መንእሰያት ብ10 ዓይነት ሞያታት ንምስልጣን መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories