ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ውድብ ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት – ዩኔስኮን ተወዲቡ፡ ኣብ ኣስመራ ክወሃብ ዝቐነየ፡ ኣብ ዕቃበ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ዘተኰረ ስልጠና፡ ትማሊ 28 ለካቲት ተዛዚሙ።

እዚ ብግብራዊ ኣብነታት ተሰንዩ ንትሽዓተ መዓልታት ዝቐጸለ ስልጠና፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መደብ ኮይኑ፡ ኣብ ምክያድ መጽናዕቲ፡ ምምላእ ቅጥዕታትን ኣገባብ ምዝገባን ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት፡ ኣገባብ ምርካብ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት፡ መስርሕ ምዝገባ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታትን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ኣርእስትታትን ዘተኰረ እዩ።

ነቲ ስልጠና ዝመርሐ፡ ካብ ዩኔስኮ ዝተላእከ ክኢላ ዕቃበ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት፡ ሚስተር ላቭሞር ማዚቡኮ፡ ኤርትራ ንረቂቕ ባህላዊ ውርሻታታ ንምምዝጋብ ዝወሰደቶ ስጉምቲን፡ ንዕቃበኡ እተካይዶ ዘላ ጻዕርን ኣገዳስን እዋናውን ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ተሳተፍቲ ኣብ ግዜ ስልጠና ንዘርኣይዎ ተገዳስነትን ዕቱብ ምክትታልን ድማ ሞጒሱ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብወገኑ፡ ተሳተፍቲ ዝጸንሖም ተመኲሮ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ንምድርዑ መሰረታዊ ዝኾነ ፍልጠት ቀሲሞም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ሃገርና ንዘለዉ ዕቃበ ዘድልዮም ረቀቕቲ ባህላዊ ውርሻታት – ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻታት ንምስፋሮም ዕማሞም ክጅምሩ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ እቲ ግብራዊ ስልጠና ብግዜን ትሕዝቶን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነቶም ሓደጋ ምጽናት ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ረቀቕቲ ባህላዊ ውርሻታትና ኣብ ምዕቃብ፡ ውጽኢታዊ ስነ-ፍልጠታዊ ስራሕ ክዓሙ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ቲ ስልጠና፡ ካብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ማእከል ምርምርን ስነዳን፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዝተዋጽኡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምጽናዕ ባህላዊ ውርሻታት ዝነጥፉ 32 ግዱሳት ተሳቲፎም።

Categories