ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓደርዓዳ – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ 138 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከባኦም 440 ዜጋታት መሬት ጤሳ ተዓዲሉ።

ብ24 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ምዕዳል፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል፡ ኣቶ መኮነን ማኢል፡ ክዕደል ዝተዳለወ መሬት 1,139 ቃጽዖታት ምዃኑ ብምሕባር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ’ዚ ናይ ሎሚ ዕደላ ዝተረፉ፡ ዘድሊ ቅጥዕታት ምስ ኣማልኡ ክወሃቡ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ነቲ መስርሕ ኣብ መፈጸምታኡ ንዘብጽሑ ኣካላት መንግስትን ሽማግለ ጤሳ ዓድን ኣመስጊኑ።

ኣቶ መኮነን ማኢል ኣቐዲሙ፡ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ኣብ ኩለን ዓድታትን ምምሕዳራት ከባቢን ብዝወጸ ናይ ግዜ መቓን ክካየድ ምዃኑ፡ ስለ’ዚ ድማ ሽማግለታት ጤሳ ሰነዳተን ኣጻፊፈን ክጸንሓ ኣዘኻኺሩ ነይሩ።

Categories