ብሰንኪ እርጋን ንመጓዓዝያ ከሸግር ዝጸንሐ – 65 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ደቀምሓረ – ጸሮና፡ ብኩባንያ ህንጻ ኣስቤኮ ይጽገን ኣሎ።

እዚ ንንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ማይ-ዓይኒን ጸሮናን ዘራኽብን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ተቐማጦ’ተን ንኡሳን ዞባታት ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን ቀንዲ መስመር፡ ብደገፍ ማሽነሪ ናይ ምግፋሕን ምሩጽ ሓመድ ምንጻፍን ስርሓት ይካየደሉ ከምዘሎ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ዝተዋፈረ መሃንድስ ወልደገርግስ ካሕሳይ ኣረዲኡ።

ድሮ 40 ኪሎ-ሜተር ናይቲ ስራሕ ተዛዚሙ ሓውሲ ከተማ ማይ-ዓይኒ በጺሑ ከምዘሎ ዝሓበረ መሃንድስ ወልደገርግስ፡ ጸሮና ንምብጻሕ ተሪፉ ዘሎ 25 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምዕማሙ ጽዑቕ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዕማም፡ ህዝቢ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ-ነብሪ፡ ቀርጸ-ቐምጠን ግኒሰባን – ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ንውሕስነት ናይ’ቲ ዝጽገን ዘሎ መስመር፡ ኣብ ማይ-ክዖታት ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ወፈራታት ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።

ነበርቲ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ተጸሚዶም ንዝርከቡ ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ኣስቤኮ ንምትብባዕ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ከምዝወደቡ እውን፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories