ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ – ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ዝተሃንጻ መዋእለ ህጻናትን ናይ መባእታ ኣብያተ- ትምህርቲን፡ ን527 ቈልዑ ዕድል ትምህርቲ ከምዘርሓዋ፡ ምቊራጽ ተመሃሮ እውን ኣዝዩ ከም ዝተመሓየሸ፡ ሓላፊ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዕቚቡ መለስ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምግምጋም ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ሓቢሩ።

ኣብ ኩሉ ደረጃታት ትምህርቲ ንዘሎ ገስጋስ ትምህርቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ – መምህር ዑቕቡ፡ ኣብ’ዚ ቀዳማይ ሰሚስተር ናይዚ ዓመት’ዚ፡ 87.5 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምብራኽ ጻዕሪታት ክሕይል፡ ዋሕዲ ሱፐርቫይዘራት ኣብ መሰረታዊ ትምህርቲ ግምት ክወሃቦ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ማይ-ድማ ተጀሚሩ ዘይተወድአ ህንጻ ቤተ-ፈተነ ክቀላጠፍ፡ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ብኻልእ ወገን፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ምስ ተመሃሮን ወለድን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ተመሃሮ ተራሕዩሎም ዘሎ ዕድላት ትምህርቲን ሞያን ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል ብንቕሓት ክጽዕሩ፡ ወለዲ ድማ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ መንግስቲ ኣብ መንእሰያት ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ፡ ኣብ ምእላይን ምምእዛንን ደቆም ብዝሓየለ ክዋስኡ ኣተሓሳሲቡ።

ህልው ብድሆታት መንእሰያት ብምልላይ፡ ንምፍዋሱን ናብ ዕድላት ንምቕያሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ሱታፈ መላእ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሩ።

ብቑዕ ኣካዳሚን ሞያን ዝዓጠቐ መንእሰይ ምህናጽ፡ ኣካል ልምዓታዊ ስትራተጂ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ዝሓበረ – ኣመሓዳሪ ሓውሲ-ከተማ ጸሮና፡ ኣቶ ተኽለኣብ ገብረ እውን፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ክሰርሓሉ ተላብዩ።

Categories