ሽማግለ ጥሙር መኸተን ልምዓትን ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን፡ መደባት ስራሕ 2017 ምርኲስ ብምግባር – ኣብ መደባት 2018ን ኣገባብ ኣተገባብራኦምን ዘትያ።

ኣብ’ቲ ብ20 ለካቲት ኣብ ከተማ ከረን ዝተቓንዐ ኣኼባ፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ትሽዓተ ዓድታት መስርሕ ምድልዳል መሬት ከምእተኻየደን፡ ውጽኢታዊ ወፈራዊ ስራሓት ከምእተተግበረን ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣታዊታት ግብሪ መሬት ሕርሻን ጥሪትን፡ ሳንዱቕ ልምዓት፡ ልምዓት ማይ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ኣታዊታት ንጥፈታት ከተማ ንምዕባይ ብዕቱብ ተታሒዙ ይስራሓሉ ምህላዉ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ ዝውጠኑ መደባት መኸተን ልምዓትን ብዘይ ተሳትፎ ህዝብን ዝምልከተን ኣካላትን ክዕወት ስለዘይክእል፡ ነዚ ዓቕሚ’ዚ ኣብ ምውህሃድ ኣተኲሮ ክግበር ኣዘኻኺሩ።

Categories