ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፕረዚደንት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ፡ ማለት ‘ፊፋ’ – ጃን ኢንፋንቲኖ፡ ትማሊ ዓርቢ 23 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ፡ ኣብ መቐበል-ኣጋይሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ‘ፊፋ’ ንዝጀመሮ ናይ ምትዕርራይ መደባት ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽሎ ብምዝኽኻር፡ ዝበለጸ ምሕዝነት ዝበለጸ ውጽኢት ስለዘምጽእ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝገበሮ ዑደት ሞጒሱ።

ሚስተር ጃኒ ኢንፋንቲኖ ብወገኑ፡ ኤርትራ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞኲሮን ዕቑር ጸጋታትን ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ማሕበሩ ኣብ ዕብየት ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ እጃሙ ከበርክትን ንክልተኣዊ ሽርክነት ክሰርሕን ድልው ከምዘሎ ገሊጹ።

ትማሊ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣስመራ ዝኣተወ ፕረዚደንት ‘ፊፋ’፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ምስ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ኣብ ዕብየት ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ዘተኰረ ዝርርብ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ጃኒ ኢንፋንቲኖ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደቱ፡ ንሰልጠንቲ ኵዕሶ እግሪ ‘ግራስ ሩትስ’ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ፡ ከምኡ’ውን ሓድሽ ህንጻ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝሰፈረ ስነ-ህንጻ ከተማ ኣስመራ እናተዘዋወረ ተዓዚቡ።

Categories