ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ምሕደራ መዝሓሊታትን ብኣኦም ዝዓዩ ናውቲን ንምውሓስ ዝዕላማኡ – ብ19 ለካቲት ኣብ ሚድያን ሆቴል – ኣስመራ ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ካብ መንግስታውያንን ብሕታውያንን ትካላት ዝተወከሉ ክኢላታት ዝተሳተፍዎ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ-ዘተ፡ ካብ ትካል ኢንዱስትርያዊ ምዕባለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጸ ክኢላ ዕቃበ ኣከባቢ – ሚስተር ማርቪን ሎጋን ካልኦት ክኢላታትን፡ ኣብቶም ንቀጸላ ኦዞን ዘርቅቑ ባእታታት ዝፍንው መሳርሒታት ኣትኲሮም ኣስተምህሮ ሂቦም።

ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣከባቢ ኣቶ ሞጐስ ወልደዮውሃንስ እውን፡ እቶም ንመዝሓሊ እንጥቀመሎም ዝተፈላለዩ ናውቲ ኣገዳስነቶም ርዱእ ኮይኑ – ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ኣገዳስነቶም ግን፡ እቲ ካብኦም ዝወጽእ ጋዛት ኣብ ምርቃቕ ቀጸላ ኦዞንን ዓለማዊ ዋዒን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ኣረዲኡ። ስለ’ዚ ድማ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ንቕሓት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣባል’ቲ ሚኒስትሪ መሃንድስ ሮቤል ክብሮም ብወገኑ፡ ኣገዳስነት ቀጸላ ኦዞን ኣብ ህይወታውያንን ጠንቂታት ምርቃቑ ዝኾኑ ንጥፈታት ደቂ-ሰብን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን – ኣምጻእቲ፡ ተቘጻጸርትን ተጠቀምትን መሳርሒታት መዝሓሊ ዝሳተፍዎ፡ ንውሑስ ምሕደራ መዝሓሊታትን ብኣኦም ዝዓዩ ናውቲን ብዝምልከት፡ ካብ 20 ክሳብ ሎሚ 23 ለካቲት ዝቕጽል ትምህርቲ ይህብ ኣሎ።

Categories