ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሑመድ ዓሊ፡ ምስ ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ጢዖ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ምኽንሻብ ደቂ- ኣንስትዮ ክውገድ ዘለዎ ሃሳዪ ልምዲ ምዃኑ ብትሪ ኣገንዚቡ።

ጐዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብን ድማ ብፍላይ – ንምዕባለ ጓል-ኣንስተይቲ ብኣሉታ ዝጸልዉ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ብዝተፈላላዩ ኣካላት ብዝካየዱ ዘለዉ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከም ተርእዮ ክጐድል’ኳ ክኢሉ እንተሎ፡ ናብ ዝተሓተ ንምውራዱ ንቑሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ና’ቲ ዞባ ኣቶ ኣሰፋው ነጋሲ ብወገኑ፡ ምኽንሻብ ደቂ- ኣንስትዮ ዕጉት ሕርሲ ብምስዓብ ንህይወት ኣደን ዕሸልን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንምውጋዱ ብውህደት ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊጹ።

Categories