ካብ ሽውዓተ ናይ ስነ-ኪነት ኣብያተ- ትምህርቲ ድሕሪ ምምራቕ፡ ኣብ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ክቐስሙ ዝጸንሑ 637 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 1268 መንእሰያት፡ ብ17 ለካቲት ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ፡ ሓለቓ ስታፍ እዚ ተወርዋሪ ሓይሊ ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ዝተረኽቡሉ ኣብ ሳዋ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት፡ ተመረቕቲ ነቲ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝቐሰምዎ ስልትን ጥበብን፡ ብማራኺ ምርእቲ ከምዘቕረቡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ እታ ዕለት ብኹሉንትናኦም ብቑዓት ኮይኖም ዜግነታዊ ሓላፍነት ዝስከሙላ ኣጋጣሚ ምዃና ብምዝኽኻር፡ ደቂ-ኣንስትዮ ነቲ ብዓይነት ይኹን ብግዜ በዳሂ ዝነበረ ስልጠና ኣብ ምምካት ንዘርኣይኦ ሓቦን ኒሕን ሞጒሱ።

ዝርዝር ናይ’ቲ ስልጠናን ተመረቕቲ ዘመዝገብዎ ኣዕጋቢ ውጽኢትን ዝጠቐሰ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ከም ኩሎም ብጾቶም፡ ብዝቐሰምዎ ሞያ ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ሃገር ልዑል ኣበርክቶ ክገብሩ ዘለዎ እምነት ብምግላጽ፡ ንኣለይቶምን መማህራኖምን ኣመስጊኑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመልክዕ ውድድር በብምድቡ ኣብ ዝተኻየደ ንጥፈታት ንዝተዓወቱ፡ ብልጫ ተዓዲሉ።

ተመረቕቲ፡ ዝቐሰምዎ ፍልጠትን ሞያን ብግብራዊ ስራሕ ብምትርጓም – ሕድሪ ሰማእታት ከምዝትግብሩ ብቃለ- ማሕላ ኣረጋጊጾም።

Categories