ብምትሕብባር ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዩኔስኮን ዝተወደበ፡ ንኣገባብ ምዝገባ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ዝምልከት ዓውደ-ዘተ፡ ትማሊ 19 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ኤርትራ – ሓንቲ ካብ’ተን ብረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ሃብታም ትዕድልቲ ዘለወን ሃገራት ከም ምዃና መጠን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንምዕቃቡ ዝተፈላለየ መደባት ብምውዳብ ክሰርሕ ምጽንሑ፡ እዚ ናብ ውድብ ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት – ዩኔስኮ ዝቐርብ ፕሮጀክት ድማ ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ሓቢሩ።

በዓልቲ-ስልጣን ዩኔስኮን ክኢላ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻን ኣብ’ዚ ዞባ፡ ሚስ ካራሊን ሞንትየሊ ብወገና፡ ኤርትራ – ነቲ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ንምዕቃብ ተባሂሉ ኣብ 2003 ዝተነድፈ ሰነድ ብኽታመን ካብ ዝተቐበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ከምእትጥቀስ ብምሕባር፡ እቲ ኣብ ትሽዓተአን ብሄራት ዝርከብ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት፡ “ብህጹጽ ዝዕቀብን፡ ኣብ መዝገብ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ሰፊሩ ዝጸንሐን” ተባሂሉ፡ ኣብ ክልተ ምድባት ከምዝሰፍር ኣረዲኣ።

ኣብ’ቲ ክሳብ 28 ለካቲት ዝቕጽልን ክኢላታት ናይ’ቲ ዓውዲ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዘቕርቡሉ ዘለዉን ዓውደ-ዘተ፡ ያታዊ ምስላታት፡ ጽውጽዋያት፡ ዛንታታት፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን፡ ስርዓታት መርዓ፡ ሞትን ወሊድን፡ ባህላዊ ፍወሳ፡ ግጥሚታት፡ ኢደ-ጥበባዊ ስራሓት፡ መልቀስ፡ ማሰን ካልእን ብሰፊሑ ክዝረበሉ እዩ።

Categories