ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ውሁድ ስራሕ ንሃገራዊ መኸተን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዘካየዶ መበል 17 ስሩዕ ኣኼባኡ ውጽኢት – ንህዝቢ መብርሂ ሂቡ።

ኣባላት ባይቶ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ርክባት፡ መንግስቲ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ተጻብኦታት ንምምካት ዘሰላስሎ ናይ መኸተ መደባት፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጠለባት ህዝቢ ንምምላእን ኣብ ቀረባት ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት በብመድረኹን ከከም ቀዳምነታቱን ንምፍታሕን ንዘካየዶ ወፍሪን ውጽኢቱን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ሓይሊ ኤለክትሪክን መጺኡ ዘሎ ለውጢ መርኣያ ናይ’ቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ድማ ገሊጾም።

“ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ፡ ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ኣብ ምግራብ ዘሰላስሎ ዘሎ ንጥፈታት፡ ብዝተወሃሃደ መልክዕ ክቕጽል ይግባእ” ዝበሉ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብመልክዕ ወፈራታት ዝካየድ መደባት ኣድማዒ ብምዃኑ፡ በብደረጃኡ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ኣብ ካልእ ንህይወት ህዝቢ ብቐረባ ዝጸሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እውን ንምቕጻሉ ክሰርሑ ተላብዮም።

መንግስቲ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጽን ምንጪ ማይን ብምውዳድ፡ ዜጋታት ብኣካል ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ተሳቲፎም ነብሶም ንክኽእሉ ከፊትዎ ንዘሎ ዕድልን ረብሓኡን ዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ እቶም ወከልቲ ህዝቢ፡ ነበርቲ ዞባ ማእከል ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ከምኡ’ውን ጽሬት ከተማኦምን ከባቢኦምን ክሕልዉ ኣዘኻኺሮም።

ተሳተፍቲ፡ ምስ ምእታው ክራማት ኣብ ዘራእትን ጥሪትን ክረኣዩ ንዝኽእሉ ሕማማትን ባልዓትን ቅድመ-ምድላዋት ክግበር፡ ዘቤታዊ ቱሪዝም ንምምዕባል በብከባቢኡን ትካላቱን ዑደታት ክውደብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories