ቦርድ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪታትን ፈደረሽናትን ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታትን – ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2017 ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ብምግምጋም ኣብ መደባት ስራሕ 2018 ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ብ16 ለካቲት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምሕያል ብዛዕባ ዝተኻየደ ንጥፈታት፡ ደረጃ ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንምብራኽ ዝተዋህቡ ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን፡ ከምኡ’ውን ብልጫታትን ብድሆታትን በብጽፍሑ ብመልክዕ ጸብጻባት ቀሪቡን ተዘትዩሉን።

ብዘይካ’ዚ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምግታእ፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ምርጫታት ንምሕያል ዝተሰላሰሉ መደባትን ካልእ ኣገዳሲ ጉዳያትን ብሰፊሑ ተገምጊሙ።

ኣብ መወዳእታ፡ ምምልማል ተካእቲ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምትብባዕ ጀጋኑ ልምዓት፡ ምብራኽ ደረጃ ንቕሓትን ተሳትፎን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ከምኡ’ውን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከቦ ድሑር ልምድታት ንምውጋድ ዝካየድ ጻዕሪ ምሕያል. . . ኣብ 2018 ቀዳምነት ክወሃቦ ከም መደብ ተሓንጺጹ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ደሊበን ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ቦታአን ንኽሕዛ፡ ውፉይ ተሳትፎአን ወሳኒ ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

Categories