ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ምዘናን ሃገራዊ መርመራን ገዲም ተጋዳላይ መስፍን ተኽለ (ወዲ ባሻይ)፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድመኡ ብ16 ለካቲት ተሰዊኡ።

ኣብ መፋርቕ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ መስፍን፡ ፈለማ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ድሒሩ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።

ስዉእ ተጋዳላይ መስፍን ተኽለ (ወዲ ባሻይ)፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 2 ደቂን’ዩ። ስነ- ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ ሰንበት 18 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ መስፍን ተኽለ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories