ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ዕድመ ግርዝውና ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርኣዩ ለውጥታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ወርሓዊ ጽግያትን ጽልዋኡ ኣብ ትምህርቲን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ – ንልዕሊ 40 ሰብ ሞያ ጥዕና ኣስተምህሮ ሂቡ።

እቲ ኣስተምህሮ፡ ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት፡ ጽሬትን ወርሓዊ ጽግያትን፡ ተራ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ መማህራንን ኮሚተ ወለድን ኣብ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጽን ናውቲን ጽሬት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ. . . ዝብሉ ኣርእስትታት ዘጠቓለለ ምንባሩ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቶም ነት ኣስተምህሮ ዝሃቡ ክኢላታት፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ግቡእ ጽሬት ዘይምዝውታር፡ ረኽሲ ስርዓተ-መፍረ ብምስዓብ ንሕማማት ከቃልዕ ከምዝኽእል ብምምልካት፡ ቀረብ ማይ ዘይብለን ኣብያተ- ትምህርቲ ቈላሕታ ክግበረለን ተላብዮም።

እቶም ክኢላታት፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት – ፈኲስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር፡ ልብጥ ብዝበለ ማይ ነብስኻ ምሕጻብ፡ ቃንዛ እንተበርቲዑ ድማ ምኽሪ በዓል ሞያ ጥዕና ምሕታት፡ ነቲ ዝፍጠር ዘይምቹእነት ከምዘፋዂሶ እውን ኣረዲኦም።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ኣቶ የማነ ሃይለ፡ ነቲ ኣስተምህሮ ዝተኸታተሉ ሰብ ሞያ ጥዕና – ኣኣብ ዝሰርሑሉ ከባቢ ደረጃ ንቕሓት ብምብራኽ፡ ጠለባት ናውቲ ጽሬት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኽማላእ – ብኣላይነት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት መሻርኽትን፡ ደረጃ ንቕሓት ተመሃሮን ወለዲን ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ንምጽናዕን፡ ጽልዋኡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምግምጋምን፡ ኣብ 2017 – ኣብ 11 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትአን ኣብያተ-ትምህርቲ ብሰንኪ ትሑት ደረጃ ንቕሓትን ድኹም ትሕተ-ቅርጺ ቀረብ ማይን ንጽህናን፡ ወርሓዊ ጽግያት ንዝመጸን ተመሃሮ ምቹኣት ኮይነን ከምዘይጸንሓ፡ ብኡ ምኽንያት ድማ ከብኲራ ከም ዝግደዳ ተረጋጊጹ።

Categories