ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ መስርሕ መለሳ መሬት ብጽቡቕ ከም እተሰላሰለ፡ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተኽለ መሓሪ ንህዝቢ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 10 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከም እተኻየደ፡ ከምኡ’ውን ኣስታት 54 ሽሕ ጥሪት ከም እተኸተባ ሓቢሩ።

ነበርቲ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ኣገዳሲ ዝኾነ መስመር ደቀምሓረ – ጸሮና ክጽገን ምጅማሩ እፎይታ ከም ዝፈጠረሎም ብምሕባር፡ ዝውጠኑ መደባት ኣብ ምትግባር ካብኦም ዝሕተት ንምምላእ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

Categories