ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 120 ርእሳነ- መማህራን መባእታን ማእከላይን ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ናይ ምሕደራ ብቕዓቶም ንምሕያል ኣብ ከተማ ባረንቱ ስልጠና ተዋሂቡዎም።

እቲ ብክኢላታት ስነ-ምምህርና ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ትርጉምን ኣገዳስነትን ትምህርቲ ብመንጽር ዝርጋሐን ምዕሩይነትን፡ ተሳናይነት፡ ቀጻልነትን ብቕዓትን፡ ኣገደስቲ ባህርያት ብቑዕ መራሒ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ተራ ውጥንን ትግባረን ኣብ ምሕደራ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ- ሰብን መምህር ሓይለኣብ ሃብታይ፡ እቲ ስልጠና መቐጸልታ ናይ’ቲ ውጽኢት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝውደብ ስልጠናታት ምዃኑ ብምሕባር፡ በተን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ተመስሪተን ዘለዋ ማእከላት ስነ-ምምህርና ኣድላዪ ክትትልን ሓገዝን ከምዝግበር ገሊጹ።

ብ10 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መዛዘሚ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ትምህርቲ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሰልጠንቲ ኣብ ባይታ ለውጢ ንምምጻእ ተራኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

Categories