ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል፡ ብስራት ሓርነት!” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 9 ክሳብ 11 ለካቲት ብልዑል ኮማዊ ተሳትፎ ብድምቀት ከም እተጸምበለ፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ ገሊጹ።

እቲ ዝኽሪ፡ ታሪኽን ክብርታትን ሰውራ ብዘውርስ ባህላውን ስነ- ጥበባውን መሰናድኦታት፡ ስፖርታዊ ውድድራትን ካልእ መሰናድኦታትን ከም ወትሩ ማዕሪጉ ምቕናዩ፡ ንርዝነት ናይ’ቲ ስርሒትን ኣብ ታሪኽና ዘለዎ ፍሉይ ቦታን ዝገልጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ንዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዝትከል ኮማዊ ዳሳት፡ ኣብ ሞንጎ ምምሕዳራት ከባቢ ቅዱስ ናይ ምውድዳር መንፈስ ምሕዳሩ፡ ኣብ ድምቀት ናይ’ቲ ኣጋጣሚ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ዝሓበረ ኣቶ ሃይለ፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ’ቲ መደባት መንእሰያት ምዃኖም ከኣ ካልእ ሓበን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ስነ-ስርዓት ምንባር ዕንባባ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ፈንቅል፡ ስፖርታዊ ውድድራት መካይን፡ ብሽክለታ፡ ኣትለቲክስን ምሕምባስን፡ ከምኡ’ውን ስእላዊ ምርኢት ዘጠቓለለ ስነ-ጥበባውን ባህላውን መሰናድኦታት ዝሓቘፈ ነይሩ።

Categories