ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ብ7 ለካቲት ኣብ ድሕነት ትራፊክ ብሓፈሻ ዝቐንዐ ዘተ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ደቡብ ሜጀር ሃብተ ገብሩ፡ ኣብ ህይወትን ንብረትን ዝወርድ ዘሎ ክሳራታት ንምግታእ፡ መራሕቲ መካይን ዘይሓላፍነታዊ ኣመራርሓ ከወግዱን ሕግታት ትራፊክ ብግቡእ ከኽብሩን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ብደረጃ ዞባ፡ ኣብ 2017 ልዕሊ 9,500 ጥሕሰት ሕጊ ከም እተፈጸመን 429 ሓደጋታት ከምዘጋጠመን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ 13 ሰባት ከም ዝሞቱን 105 ከቢድን ፈኲስን ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ዝሓበረ መጀር ሃብተ፡ ኣብ ንብረት ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 6.4 ሚልዮን ናቕፋ ከምዝግመት ገሊጹ።

ንድሕነት ተሳፈርቲ ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ ካብ ስስዐን ህርፋንን ዝነቐለ ብመራሕቲ ናይተን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝተመደባ መካይን ብተደጋጋሚ ዝርአ – ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምጽዓን ክእረም ዘለዎ ምዃኑ እውን ኣገንዚቡ።

ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ተጠቀምቲ ብሽክለታ፡ ንሓደጋ ካብ ዘቃልዕ ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ምዃኑ ዝጠቐሱ ተሳተፍቲ፡ መሐበሪ ሰሌዳን ምልክታት ትራፊክን ዘይብሎም ጎደናታት ከተማ መንደፈራን፡ ብትሕቲ ዕድመ ዝምርሓ ዓረብያታትን ኣቓልቦ ክግበረሎም ተላብዮም።

ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ፡ ሓላፊ መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ መሓሪ ሃብተ፡ መራሕቲ መካይን ንጠንቅን ሳዕቤናትን ሓደጋታት ብምግንዛብ፡ ድሕነት ከቐድሙን ጥዕና መካይኖም ብግቡእ ክፍትሹን ተማሕጺኑ።

Categories