ጽምብል ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል፡ ብስራት ሓርነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ትማሊ 9 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ- ስዒድ ብወግዒ ከፊትዎ።

ናይ ትማሊ መደብ፡ ቅድድም ብሽክለታ፡ ውድድር ምሕንባስ፡ ባዛር፡ ምርኢት ጉጅለታት ባህልን ቅዲ ክዳንን ከም ዝነበረ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ሎሚ 10 ለካቲት ድማ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ – ምንባር ዕምባባ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት፡ ውድድራት ስፖርት ባሕሪ፡ ኲዕሶ እግሪን ጉያ ፍርቂ ማራቶንን፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ – ህዝባዊ ሰልፊ፡ ወግዓዊ ጽምብል፡ ባህላዊ ምርኢትን ለይታዊ ትልሂትን ዘጠቓልል መደባት ተሰሪዑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ጽምብል ዝኽሪ መበል 28 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ ክሳብ ጽባሕ ሰንበት 11 ለካቲት ክቕጽል እዩ።

Categories